ክንክን ሕማም መቃልለሊ እንታይ እዩ?
ክንክን ሕማም መቃልለሊ ምስ ዘይሓዊ ወይ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም ንዝነብሩ ሰባት ዝወሃብ ናይ ጥዕና ክንክን እዩ። እቲ ትኹረት ድማ ኣብ ምጽንናዕ፣ ደገፍን ከምኡ’ውን ንሕሙማትን ስድራቤቶምን ዝሓሸ ጽሬት ህይወት ኣብ ምርጋጽን እዩ። እዚ ድማ ሰባት ክሳብ ዝኽእልዎ ንነዊሕ እዋን ብዝተኻእለ መጠን ጽቡቕ ናብራ ንምንባር ይሕግዞም።
ክንክን ሕማም መቃልለሊ መዓስ ክጅምር ይኽእል?
ክንክን ሕማም መቃልለሊ ኣብ ዝኾነ እዋን እናገደደ ዝኸይድ ሕማም ክጅምር ይኽእል እዩ፣ እዚ ማለት ድማ ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰሙናት ወይ መዓልታት ጥራይ ዝወሃብ ኣይኮነን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፣ ሓደ ሰብ ንሕማሙ ካልእ ሕክምናዊ ረድኤት እናረኸበ እንከሎ፣ ብተወሳኺ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ክረክብ ይኽእል እዩ።
ክንክን ሕማም መቃልለሊ መን እዩ ዝህቦ?
ክንክን ሕማም መቃልለሊ ዝኾነ ናይ ጥዕና ሰበ ሞያ፣ ንኣብነት ሓፈሻዊ ሓኪም፣ ፍሉይ ሞያተኛ ስፔሻሊስት ወይ ነርስ ክህብዎ ይኽእሉ እዮም።
ናይቲ ሕሙም ምልክታት ዝተሓላለኸ ክኸውን ከሎ፣ ፍሉይ ናይ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ኣገልግሎት ጣልቃ ይኣትዉ። እዚኦም መብዛሕትኡ ግዘ ከም ብርቱዕ ቃንዛ፣ ተምላስን ናይ ምስትንፋስ ጸገምን ዝኣመሰሉ ናይ መወዳእታ ደረጃ ህይወት ምልክታት ብፍሉይ ምክትታል ዝሰልጠኑ ሓካይም ወይ ነርሲ ዝምርሑ እዮም።
እቲ ናይ ፍሉይ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ጉጅለ ምስቲ ናይቲ ሰብ ቀዋሚ ናይ ጥዕና ጉጅለ ብምትሕብባር ይሰርሕ፣ እዚኦም ድማ ዝጠቓለሉ፦
- ሓካይምን
- ነርሲታት
- ተሓጋገዝቲ ሰበ ሞያ ጥዕና
- ፋርማሲስት
- ስነልቦና ሞያተኛ/ሳይኮሎጂስት
- መንፈሳዊ ወይ ሃይማኖታዊ ደገፍ ዝህቡ ሰባት
- ወለንተኛታት ክንክን ሕማም መቃልለሊ
ፍሉይ ናይ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ኣገልግሎት ብኸመይ ይርከብ?
እቲ ሕሙም፣ ኣባል ስድራቤት፣ ተኸባካቢ ወይ ዝኾነ ናይ ጥዕና ሰበ ሞያ ናብቲ ፍሉይ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ኣገልግሎት ክልእኩ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ኣገልግሎት እንታይ ዓይነት ክንክን ይህብ?
ፍሉይ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ኣገልግሎት ዝስዕቡ የጠቓልል፦
- ዝተሓላለኹ ኣካላዊ ምልክታት ንምቁጽጻር ምሕጋዝ
- ማሕበራዊ፣ ባህላውን መንፈሳውን ስክፍታታት ደገፍ ምሃብ
- ነቲ ሕሙምን ስድራቤቱን ወይ ተኸባከብቱን ናይ ምኽሪ ደገፍ ምሃብ
ፍሉይ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ኣገልግሎት ኣበይ ክውሃብ ይኽእል?
ክንክን ሕማም መቃልለሊ ኣብዚ ዝስዕብ ቦታታት ክወሃብ ይኽእል፦
- ኣብ ገዛ
- ኣብ ሆስፒታል
- ኣብ ፍሉይ ክንክን ዝዋሓበሉ ገዛ
- ኣብ ናይ ኣረጋውያን መንበሪ ገዛ
- ኣብ ናይ ስንኩላን መጽለሊ ገዛ
ፍሉይ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ኣገልግሎት ክንደይ ይኽፍል?
መብዛሕትኦም ናይ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ኣገልግሎታት ብናጻ እዮም። ንፈውሲታት ወይ ንመሳርሒታት ዝኸውን ገለ ክፍሊት ክህሉ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ምስ ዘድሊ ክዝተየሉ እዩ።
ንስድራቤትን ተኸባከብትን እንታይ ደገፍ ኣሎ?
እዚ ኣገልግሎት ንስድራቤትን ተኸባከብትን ግብራዊን ስምዒታውን ደገፍ ይህብ እዩ።
ኣተርጓማይ ምስ ዘድልየ'ኸ?
ኣተርጓማይ ዘድሊ እንተኾይኑ ነቲ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ኣቐዲምኩም ክፈልጥ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት ብኸመይ ይርከብ?
- ምስ ሓኪምኩም ወይ ምስ ስፔሻሊስትኩም ተዘራረቡ
- ናብቲ ከባቢያዊ ናይ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ኣገልግሎት ደውሉ
- ናብ ክንክን ሕማም መቃልለሊ ቪክቶርያ ተወከሱ

ብቴሌፎን ዝወሃብ ኣተርጓሚ ክመቻቸወልኩም ይኽእል እዩ። በጃኹም ዝደለኹምዎ ቋንቋ ንገሩና።